Skip to main content

ኣቡነ እንድርያስ


ኣቡነ እንድርያስ ካብ ለዋሃትን ፈርሃት እግዚኣብሔርን ዘለዎም ሥድራ ማለት ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ኣብ እንድርታ ትግራይ ተወልደ። ኣቐዲሞም ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ስለዘይነበሮም ኣዝዮም ይኃዝኑ፣ ጾም፣ ጸሎትን ምጽዋትን ብብዝኂ የዘውትሩ ነበሩ። ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ውላድ ክትህቦም እሞ መብጽዓ ኪህብዋ ተማባጽዑ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብየማና፡ ቅዱስ ገብርኤል ከኣ ብጸጋማ ገይራ ብምምጻእልደቱ ምስ ልደተይ 1 ግንቦት ዝኾነ ቡሩኽ ሕፃን ክትወልዱ ኢኹምኢላ ኣብሠረቶም።ተወልደ ሕፃን በተፍጻሜተ ቀዳማይ ወርኅ ዘውእቱ ኔሳን በወርኀ ልደታ አመ ሠርቁ ለዓኮን ዘውእቱ ግንቦት ወበጊዜ ልደቱ አብርሀ ቤተ ከመ ፀሐይ ወወድቁ ዲበ ምድር እለ ሀለዉ ውስተ ውእቱ ቤት።በዚ ኸኣ 1 ግንቦት 1245 .. ተወልደ።
ኣቡነ እንድርያስ ውልድ ምስ በለ ጸሎት ገበረ እሞ ጸላኤ ሠናያት ሳጥናኤል ነዚ ሰሚዑእዚ ሕፃን እዚ ለካ ጸላእየይ፣ ኣንጻረይ ኪኸውን እዩኢሉ ተጨኒቑ ኪቐትሎ ሓሰበ፡ እንተኾነ እቲ ኣብኡ ኃዲሩ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ከልከሎ። ድኅሪ (40) መዓልቲ ኣብታ ቅድም ዝተማባጽዑላ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ብኢድ ኤጲስ ቆጶስ ተጠምቀ። ብጸሎተ ምህላ ዝተረኽበ ንምባልመሓረነ እግዚእዝብል ስም ጥምቀት ተሰይመ።
ሽዑ ኣብ ቤት ዘአማኑኤል፡ እቲ ዘጥመቐ ኤጲስቆጶስ ምስ ኵሎም ካህናትን ዲያቆናትን እናዘመሩ ከለዉ፣ ሕፃን መሓረነ እግዚእ ከኣ ኣብ ዝባን ኣደኡ አመተ መንፈስ ቅዱስ ተኃዚሉ ከሎስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ለዕጓለ እመ ሕያው ዘሠምሮኢሉ ኣመስገነ።
ድኅሪ ሠለስተ (3) ዓመት ጡብ ምስ ኃደገ ልክዕ ከምታ መብጽዓዖም ናብታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። ከም ነቢይ ሳሙኤል ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓበየ። ሠራዊተ ዲያብሎስ ከይቐርብዎ ክልቲኦም ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ለይትን መዓልትን ይሕልዎ ነበሩ። ቅዱስ ገብርኤልውን ሰማያዊ መናን ሰማያዊ ጽዋዕን እናኣምጽአ ይምግቦ ነበረ።
ቅዱስ መሓረነ እግዚእ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ትምህርቲ 81 መጻሕፍቲ ተማህረ። ሥራሑ ብጾም፣ ጸሎት ስግደት ጀመረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዅሉ ጊዜ እናመጽአ ይናዝዞን ይሰምዖን ነበረ።በከመ ይቤ በወንጌል ዘሰ ያፈቅረኒ ወየዐቅብ ቃልየ ኣነ ወአቡየ ንመጽእ ኀቤሁ ወንሬስዮ ምዕራፈ/ እቲ ዜፍቅረኒ ቃለይ ኪሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ከኣ ኬፍቅሮ እዩ፡ ናብኡ መጺእና ድማ ኣብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና።” (ዮሓ. 1423)
ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነሐለየ በልቡ ወይቤ ምንት ይበቍዐኒ፣ ንብረተ ዝንቱ ዓለም፣ ወእትገኀስ እምአዝማድየ ወእኅድግ አቡየ ወእምየብምባል ናብ ሰሉዳ ዝተባህለት ገዳም ከደ እሞ ምስ ንእግዚኣብሔር ዘሥመረ ዓቢይ ባሕታዊ ኣባ ገብረክርስቶስ ተራኸበ። ቅዱስ መሓረነ እግዚእ ንኣባ ገብረክርስቶስ፡ኢይክል አሐዱ ገብር ተቀንዮ ለክልኤ አጋእዝት ለአሐዱ ይትኤዘዝ ወለካልኡ ኢይትኤዘዝ / ንገንዘብን ንእግዚኣብሔርን ክትግዛእ ኣይከኣልን እዩ” “እለኒ በልዑ ከመ ዘኢበልዑ እለኒ ሰተዩ ከመ ዘኢሰትዩ፣ እለኒ ተፈሥሑ ከመ ዘኢተፈሥሑ እዩ ዝብል እሞ ኣመንኵሰኒ በሎ። ኣባ ገብረክርስቶስ ድማበረኸት ኣቦታተይ እንጦንዮስ፣ መቃርዮስ፣ ጳኵሚስ ይኅደርካ። እቲ ናታቶም ምንኵስና ዝባረኸ ኣምላኽ ምንኵስናኻ ይባርኸልካኢሉ ባረኾ። ስመ ክርስትናኡ መሓረነ እግዚእ ኪኸውን ከሎ ስመ ምንኵስናኡ ኸኣ እንድርያስ ተባህለ። እንድርያስ ማለት ጎበዝ መንእሰይ ማለት እዩ።
 
ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ድኅሪ ምምንዃሱ ንዓይኑ ሰለምታ ንሰብነቱ ድቃስ ንሥጋኡ ዕረፍቲ ዝብሃል ኣይሃበን። ለይቲ ምስ መዓልቲ ከም ዓንዲ ሓፂን ብጸሎት ተተኽለ፣ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚሓብጥ ከም መንኰራኩር፣ ረሃጹ ክሳዕ ናብ ምድሪ ዘንጠብጥብ ይሰግድ ነበረ።

ብትሕትናኡ ኸኣ ዝተፈልጠ ኣቦ ኾነ፣ ጋሻ እንተ መጽአ እግሪ ኣብ ምሕፃብ ቀዳማይ ኮነ። እንሆ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ናብ ጳጳስ ብምኻድ መዓርገ ዲቁና ተሸመ። ከም ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ከኣ መንበረ ጸባኦት ክሳዕ ምርኣይ በቕዐ። ድኅር ውን ኣባ ገብረክርስቶስ ጥብዓቱ ብምርኣይይቤሎ ተሠየም ቀሲሰ መዓርገ ክህነት” “ይግብኣካ እዩ እሞ ኪድ ካብ ጳጳስ ክህነት ተቐበልበሎ።ሕራይኢሉ ፍቓድ መምህሩ መሊኡ ካብ ጳጳስ መዓርገ ክህነት ተቐብዐ፣ ልክዕ ከም ናይ መልከ ጼዴቅ ጌሩ ኸኣ ብትግሃት ኣገልገለ። ምሥጢረ ቍርባን ኪህብ ከሎ ንዚግብኦን ንዘይግብኦን ይፈላሊ ነበረ።
ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲንኢየሩሳሌም ከይደ ቤተልሔም ዝተወልደላ፣ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀላ፣ ናዝሬት ዝዓበየላ፣ ቀራንዮ ዝተሰቐለላ ክርኢ ክኸይድኢሉ ሰንሰለት ሓፂን ተዓጢቑ ብጸሎት ንጐይታ ሓተተ። ሽዑ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅዱሳን መላእኽት ተገሊጹ ፈታውየይ እንድርያስ እቲ ዅሉ ኣነ ዝፈትዎ ዘበለ ትፍጽም ኣሎኻ።
 ሕጂ ኸኣ ናብ ኢየሩሳሌም ምኻድ ኣይትሕሰብ፣ ምኽንያቱ ኣነ እታ ሥጋኻ እትቕበረላ ከርእየካ እየ። ኣብኣ ዓቢይ በዓቲ ኣዳልየልካ ኣሎኹ፣ ነዛ በዓቲ እዚኣ ኸኣ ከም ቤተልሔም፣ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ማይ ከም ዮርዳኖስ፣ ንመቓብርካ ከምቲ ናተይ መቓብር ጎልጎታ ንደብርኻ ኸኣ ከም ደብረ ጽዮን ክገብረልካ እየበሎ። በዚ ድማ
ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስምርሐኒ እግዚኦ ፍኖተ እንተ ባቲ አሐውር/ ጐይታ እቲ ዝኸደሉ መንገዲ ምርሓኒ” (መዝ. 14310) ኢሉ ነታ ቦታ ክደሊ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ተኣማኔ እግዚእ ዝተባህለ ምእመን ረኸበ። ንሱ ኸኣ ነቶም ከባቢ ወንጌልን ኦሪትን ኪምህረሉ ስለዝለመኖ፡ ዅሉ ዓሠርተ ትእዛዛትን ወንጌልን ሰበከሎም።

ኣብ ሓበላ ከሎ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣቡነ እንድርያስን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መቅደሰይ መጺእኩም ቀድሱለይኢላ ምስ ዝኣዘዘቶ፣ መጻሕፍቲ ዝስከም ኣድጉ ጽዒኑ ድኅሪ ብዙኅ መንገዲ ኣሥመራ ንምእታው ምስ ተቓረበ፡ ኣብ ቅድሜኡ ሓደ ዓቢይ ጎቦ ምስጋር ከልኦ፡ወተግኅሰ ደብር እምቅድሜሆሙ በጸሎቱ ለአባ እንድርያስ ወማዕምቅ መልአ።ከምዝብል መጽሓፍ ገድሉ ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ካብቲ ቦታ ንገምገም ዓርበ ረቡዕ ከምዝግዕዝ ገበሮ። እዚ ዓቢይ እምባ ኣብ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ዝነበረ ንዓርበ ረቡዕ ገጹ ዝፈለሰ ምዃኑ ይንገር።
ድኅሪ ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምፍልላዩ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ማይ ምጭቓ ዝተባህለ ኣብ መንጎ ዓዲ ናህባይን ዓዲ ፈለስትን ዝርከብ በዓቲ ከምኡውንወሖረ መንገለ ዛናአብካብ ማይ ምጭቓውን ናብታ ኣብ ከባቢኡ እትርከብ ዛናኣብ ከም ዝኸደ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር። ኣብዚ ጊዜ መግቡ ሱር ዒቃ እዩ ዝነበረ።ወነበረ ህየ እንዘ ይሴሰይ ቈጽለ አሥርቆ ዘውእቱ ሥርወ ዒቃኣብዚ እዋን' ብሕልሚ ለይቲነታ ክህበካ እየዝበሎ ማየ ዮርዳኖስ ዘለዋ ገዳም ይርኢ፣ ብቐትሪ ግና ይስእና። ከምኡውን ተኣማኔ እግዚእ ዝተባህለ ምእመንንኣኻ ትኸውን ገዳም ብራእይ ርእየምስ በሎ ሓሳቦም ሓደ ኾይኑ ነታ ቦታ ከይዱ ረኸባ ልክዕ ከምቲ ዝተነግሮውን ጸንሓቶ። ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ኣመስጊኑ ድማ ኣብኣ ምስ ኣርድእቱ ብተባሕትዎ ተቐመጠ

ሓደ መዓልቲ ጥሜትን ጽምእን ኣብ ዝበርትዓሉ እዋን እቶም ኣርድእቲ ንኣቡነ እንድርያስካብዚ ገዳም ወፂእና ክንምገብ ኣፍቅደልናበልዎ። እንተኾነ ኣቡነ እንድርያስኣጽንዖ መካን ስለ ዝበልጽ እዞም ደቀይ ቁሩብ ተዓገሡ። ዓሣ ካብ ባሕሪ፣ መነኮስ ካብ ገዳም እንተወፂኡ ጽቡቕ ኣይኮነንእኳ እንተበሎም እቶም ኣርድእቲ ግና መሊቖም ናብ እንዳ ተኣማኔ እግዚእ ዓዲ ሞገስ ከባቢ ጣላን ዓደብዛገን ኪምገቡ ኸዱ። እቲ ሰብኣይ እኳ ኪኣትዉ እንተ ፈቐደሎም እታ ሰበይቲ ግናኣቦኦም ምስኦም ኣሎዶ፧ ኣቦኦም ኣቡነ እንድርያስ እንተ ዘይሃልዩ ኣይቕበሎምን እየበለት። ከምዚ ክትብል ከላ ኣቡነ እንድርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ይፈልጥ እሞወይቤ አቡነ ሚጦሙ ኀቤየ ለእሉ አግብርቲከ ወኢትኅድጎሙ ይሠጠሙ ውስተ ባሕረ ዓለምኢሉ ምስ ጸለየሎም ተመልሱ።
ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ነቲ ገንኢማይ ምልኡለይኢሉ ኣብኡ ምስ ጸለየወዘንተ ብሂሎ ዐተበ በትእምርተ መስቀል ዲበ ውእቱ ማይ ወኮነ ጥዑመ ከመ ዓያያተ መዓር ወይቤሎሙ አቡነ እንድርያስ ለደቂቁ ንሥኡ ስትዩ ዘወሀበክሙ እግዚኣብሔር ወሰትዮሙ ደቂቁ ውእተ ማየ ዘኮነ ወይነ ጥዑመ አንከሩ ጥቀ 
ከምኡውን ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ምእንቲ ደቁ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ኣርያም 3 ኩምራ ሥርናይ ከም ዓውዲ መሲሉ መልአ። እዚ ኩምራ' 7 ዓመት ዝኣክል ኣብ በረኻ ከሎ፣ ኣቡነ እንድርያስ ናይ ጎሞር መሥፈር ካብ እምኒ መዐቀኒ ገበረሎም። ካብታ መዐቀኒት ዝያዳ ከይወስዱ ኸኣ ኃደራ በሎም። እዚ ሥርናይ ኣርያም እዚ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ሓደ ነገር ማለት ዝናም ከይዘነሞ፣ ነቐዝ ከይበልዖ፣ ኣዕዋፍ ከይለቐማሉ፣ ሰረቕቲውን ኣይወስዱሉን። ምኽንያቱ ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ጸሎት ስለዝኸደኖ፡ጸሎቱ ለጻድቅ ትክል ወታሠልጥ” (ያዕ. ፭፣፲፭515) ድኅሪ 7 ዓመት ግና እቶም ኣርድእቲስለምንታይ ኢና ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ንሰፍሮ፧ ከም ድሌትና ዘይንወስድብምባል ዝተዋህቦም ኃደራ እሞ ጠለሙ ሽዑ ነቲ ሥርናይ ኣራዊት፣ ጻጸ፣ ኣዕዋፍ፣ ሰረቕቲ ከምዝኣትውዎ ንኣቡነ እንድርያስ ብመንፈስ ተገልጸሉ፣ ናብ ቤት ኣእትውዎ ኸኣ በሎም። ንሾብዓተ ዓመት ከኣ ተመገቡ። ብድምር 14 ዓመት ዝኣክል ካብ ኣርያም ዝወረደ መና ከም ዝተመገቡ መጽሓፈ ገድሉ ይሕብር። እቲ ዝወርደሉ ዝነበረ ቦታውን ንምልክት ዝኣክል መስቀል ተጌሩሉምውራድ መናኣባ ጊዮርጊስሰአል ለነ እንድርያስ አቡነ በአርዑተ ወንጌል ዘተፀምደ ለደቂቀ ቤቱ ገሀደ ፡ሥርናየ አርያም ዘአውረደኢሉ ኣብ መጽሓፈ ሰዓታት ገሊጽዎ ይርከብ። “ (ሥርናይ ኣርያም) እናተባህለ ክሳዕ ሎሚ ይጽዋዕ ኣሎ።
ድኅር ዝተጠቕሰ 14 ዓመት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ሰማይ ወርቂ ዘነመ። ሽዑ ካብቶም ኣርድእቲ ሓደ ዘካርያስ ዝተባህለ ርእይዎ ከብቅዕ ኃዲግዎ ኸደ። ኣቡነ እንድርያስስለምንታይ ዘየልዓልካዮ፧ምስ በሎ ፍቓድ መምህሩ ክመልእ ኣልዓሎ። ሽዑ ኣቡነ እንድርያስስለምንታይ ኣብቲ ቐዳማይ ጊዜ ዘየልዓካዮ፧እንተ በሎኢታንሥእ ዘኢያንበርከስለዝብል ኢሉ መለሰሉ። ንሱነዚ ወርቂ' ኣይትሽጥዎ ኣይትምዘንዎ፣ እንታይ ደኣ ብለውጢ ተጠቐሙሉብዝበሎም መሠረት ይነብሩ ነበሩ። ንዘውኃደሎም ኣይሓምይዎ፣ ንዘብዝኃሎም ኣይንእድዎ ነበሩ። ኵሉ ጊዜ ኸኣ ሠርከ ሠርክ ናብቶም ኣርድእቲ ብርሃነ መንፈስ ቅዱስ ይወርድ ነበረ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጊዜ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ምስ ቀረበ ኣእላፈ ኣእላፋት መላእኽቲ ኣኸቲሉ መጺኡ ከምቲ ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምሉእ ቃል ኪዳን ሃቦ። 
ነዛ ገዳም እዚኣ ከም ቤተልሔም ዝተወለድኩላ፣ ከም ደብረ ጽዮን፣ ደብረሲና፣ ሙራደ ቃል፣ ንመቓብርካ ከኣ ከም ጎልጎታ ክሓስበልካ እየ። እቲ ዅሉ ናብ' ደብሪ' ኣብ ዕለት ሞትካን ልደትካን ብእምነት ዝኸደ ከድኅነልካ እየበሎ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ከኣ ከም ዮርዳኖስ ጌረዮ ኣሎኹ። እቲ ዅሉ ብእምነት ብእኡ ዝተሓፅበ ካብ ዝነበሮ ደዌ (ሕማም) ኪሓዊ እዩ።ወዘሂ ተቀብረ ውስተ ዛቲ ምኔት ውስተ ምሥራቂሃ ወምዕራቢሃ ወውስተ ሰሜና ወደቡባ እስከ ኀበ ይበጽሕ ጽላሎታ እሬስዮ ለድኂንምስ በሎ ንሰማይ ዓረገ።
ንዅሎም ደቁ ኣኪቡእንሆ ጐይታይ ክትመውት ኢኻ ኢሉኒ ስለዘሎ ክነግረኩም ስምዑኒ፣ ምሉእ እምነት ሓድነትን ሠለስትነትን የሃልኹም። ነንሓድሕድኩም ተፋተዉ (ተፋቀሩ) “እስመ ተፋቅሮ ይደፍኖን ለኵሎን ኀጣውእኃዳጋት ኩኑ ከምዚ ምስ በሎም ንእሽቶ ሕማም ሓመመ።
ሽዑ እቶም ደቁንስኻ ካብ ሰማይ ሥርናይ ዘውረድካ ብጸሎትካ፣ ንስኻ ኣቦና ንደቅኻ መና ዝመገብኻና ትመውት ዲኻ፧ከምዚ ክብሉ ኸለዉ ኸኣ ካብ ኣዕይንቶም ከም ውኂዝ ክረምቲ ንብዓት ይውኅዝ ነበረ። ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ንደቁ ኪበኽዩ ምስ ረኣዮምኣይትብከዩ፣ ኣነ ካብዛ ኃላፊት ዝኾነት ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍ እየ ዝኸይድ ዘሎኹበሎም። ኣቡነ እንድርያስ ነቶም ኣርድእቱብድኅሬይ ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ ከተርክቡኒ ኢኹምብዝበሎም መሠረት ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ 999 ኣርድእቲ ተሰየፉ፣ ሕጂ እንዳ ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ብስሞም ታቦት ተቐሪጽሎም ኣሎ።
ኣቡነ እንድርያስ ዝዓረፈሉ ዕለት 1 የካቲት እዩ፣ ዝተወልደሉ ኸኣ ዕለት 1 ግንቦት እዩ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ሕጂ ኣብቲ ገዳም ዚርከብ ቅርሲ
      ማየ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ኃሊፍካ
      መቓብር ኣቡነ እንድርያስ፥ 
      ጎሞር መስፈር ሥርናይ ኣርያም፥
      ናይ ኢድ ዝነበረ መስቀል፥ 
      ጭዃሮ ዝነበረት ሕጂ ዓባይ ኣውሒ ኮይና ኣላ ንሳ ናይቶም 999 መቓብር ዝዀዓተት እያ።
       ግራት ወርቂ
      መቓብር ንገብር ኄር ዝቐተለ ኣንበሳ፥
      ሥርናይ አርያም ዚወርደሉ ዝነበረ ዓውዲ
እዚ ገዳም ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ሰሚዕካ ዘይጽገብ ዓሚቝ ታሪኽን ሰፊሕ መንፈሳዊ ተጋድሎን ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ እሞ ነጊድና ክንበጽሖ፡ ኣንቢብና ክንፈልጦ፡ . . . እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Comments