Posts

ኣቡነ እንድርያስ

ኣቡነ እንድርያስ ካብ ለዋሃትን ፈርሃት እግዚኣብሔርን ዘለዎም ሥድራ ማለት ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ኣብ እንድርታ ትግራይ ተወልደ። ኣቐዲሞም ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ስለዘይነበሮም ኣዝዮም ይኃዝኑ፣ ጾም፣ ጸሎትን ምጽዋትን ብብዝኂ የዘውትሩ ነበሩ። ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ውላድ ክትህቦም እሞ መብጽዓ ኪህብዋ ተማባጽዑ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብየማና፡ ቅዱስ ገብርኤል ከኣ ብጸጋማ ገይራ ብምምጻእ “ ልደቱ ምስ ልደተይ 1 ግንቦት ዝኾነ ቡሩኽ ሕፃን ክትወልዱ ኢኹም ” ኢላ ኣብሠረቶም። “ ተወልደ ሕፃን በተፍጻሜተ ቀዳማይ ወርኅ ዘውእቱ ኔሳን በወርኀ ልደታ አመ ሠርቁ ለዓኮን ዘውእቱ ግንቦት ወበጊዜ ልደቱ አብርሀ ቤተ ከመ ፀሐይ ወወድቁ ዲበ ምድር እለ ሀለዉ ውስተ ውእቱ ቤት። ’ በዚ ኸኣ 1 ግንቦት 1245 ዓ . ም . ተወልደ። ኣቡነ እንድርያስ ውልድ ምስ በለ ጸሎት ገበረ እሞ ጸላኤ ሠናያት ሳጥናኤል ነዚ ሰሚዑ “ እዚ ሕፃን እዚ ለካ ጸላእየይ፣ ኣንጻረይ ኪኸውን እዩ ” ኢሉ ተጨኒቑ ኪቐትሎ ሓሰበ፡ እንተኾነ እቲ ኣብኡ ኃዲሩ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ከልከሎ። ድኅሪ ፵ (40) መዓልቲ ኣብታ ቅድም ዝተማባጽዑላ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ብኢድ ኤጲስ ቆጶስ ተጠምቀ። ብጸሎተ ምህላ ዝተረኽበ ንምባል ‘ መሓረነ እግዚእ ’ ዝብል ስም ጥምቀት ተሰይመ። ሽዑ ኣብ ቤት ዘአማኑኤል፡ እቲ ዘጥመቐ ኤጲ...
Recent posts